ናብ ሁዲንገ ቤተ-ንባብ እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም!

ካብዚ ናይ ሁዲንገ ቤተ-ንባብ መጻሕፍቲ ንምልቃሕ፥ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ከምኡውን ”ምስጢራዊ ኮድ” ክህልወካ የድሊ። እቲ ካርድ ብነጻ ዝወሃበካ ኰይኑ፤ ኣብ ሹዱሽቲአን ኣብያተ-ንባብና ድማ ዘገልግል እዩ። በዚ ካርድ’ዚ ጌርካ፡ መጻሕፍቲ፡ ፊልም፡ መጽሔት፡ ሲዲ ከምኡ ውን ”ኤ-መጻሕፍቲ” (eböcker) ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ካብ ቤተ-ንባብ ንትገብሮ ልቓሕ ብነጻ እዩ።

ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ቅድሚ ምርካብካ፥ ኣብዚ ምሳና ምዝጉብ ክትከውን ይግብኣካ። ነዚ ምዝገባ’ዚ ድማ፡ ናብቲ ቤተ-ንባብ ብኣካል መጺእካ ወይ ኣብ ኢንተርነት ኣድራሻና ብዚምላእ ሓደ ኦርኒክ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ክትወስዶ ክትመጽእ ከሎኻ፥ መንነት ወረቐትካ ተማሊእካ ምጻእ።

መጻሕፍቲን ጋዜጣታትን ብብዙሕ ቋንቋታት

ኣብቶም ኣብያተ-ንባብ ናይ ሁዲንገ፥ ብነንበይኑ ቋንቋታት ዝተጻሕፉ መጻሕፍትን ጋዜጣታትን ክትረክብ ኢኻ። ኣብቲ “ኣድራሻ ኢንተርነትና” ኣቲኻ ውን፥ ነቲ “Pressreader” መገልገሊ ተጠቒምካ፥ ናይ ምሉእ ዓለም ዲጂታል መዓልታዊ ጋዜጣታት ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ሽወደን ቋንቋኻ ክትለማመድ ምስ ትደሊ ድማ፥ ብቐሊል ሽወደንኛ ዝተጻሕፈ መጻሕፍትን ናይ ቋንቋ ትምህርቲታትን ኣሎዉና። ንሰራሕተኛታትና ሕተቶም’ሞ፥ ደስ ኢልዎም ነቲ ትደልዮ ነገር ንምርካብ ክሕግዙኻ እዮም።

ኮምፕዩተራትን ገመድ-ኣልቦ መርበብ ኢንተርነትን

ኣብ ኵለን ኣብያተ-ንባብና ክትጥቀመሉ እትኽእል ኮምፕዩተራትን ገመድ-ኣልቦ መርበብ ኢንተርነትን ኣሎና። እዚ ግን ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ምስ ዚህልወካ እዩ።

ምልቃሕን ኣብ መስርዕ ልቓሕ ምምዝጋብን

ንኽንደይ ጊዜ ዝኣክል ክልቃሕ እኽእል?

እቲ ልሙድ ናይ ልቓሕ ጊዜ፥ ኣርባዕተ ሰሙናት’ዩ። እንተዀነ ፍሉይ ዝብለሉ ኩነታት ኣሎ’ዩ። ንኣብነት ፊልምታት ከምኡውን ተደለይቲ መጻሕፍቲ ፡ዝሓጸረ ናይ ልቓሕ ጊዜ እዩ ዘሎዎም። ክትልቃሕ ከሎኻ ሓደ ቅብሊት ወረቐት ክውሃካ’ዩ፥ ኣብኡ ድማ እቲ ልቓሕ ዝምለሰሉ ጊዜ ተጻሒፉ ክትረኽቦ ኢኻ።

ደንጕየ እንተ መለስኩዎ እንታይ ከጋጥም ይኽእል?

ሽዑ ናይ ምድንጓይ ክፍሊት ንኽትከፍል ክትግደድ ኢኻ። እቲ ብዝሒ ክፍሊት ገንዘብ ዚውስኖ፥ እቲ ዓይነት ልቃሕን ክንደይ ዝኣክል ጊዜ ከም ዝደንጐኻን’ዩ።

ከመይ ጌረ ደጊመ ክልቅሖ እኽእል?

ነቲ ልቓሕ ክትደግሞ እንተ ደሊኻ፥ በቲ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድን ”ምስጢራዊ ኮድን” ብምጥቃም ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነትና ኣቲኻ ወይ ውን ናብ ሓደ ካብቶም ኣብያተ-ንባብና ደዊልካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ከም ልሙድ ኣከታቲልካ ንኽልተ ጊዜ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ፍልይ ዝብለሉ ኩነታት ኣሎ’ዩ። ንኣብነት ነቶም ሰባት ተሰሪዖም ዝጽበይዎም ዘሎዉ ፊልምታትን መጻሕፍትን፥ ደጊምካ ክትልቅሖም ኣይትኽእልን ኢኻ።

ንሓደ ኣብ ልቓሕ ዘሎ መጽሓፍ፡ ተመዝጊበ ክጽበዶ እኽእል’የ?

እወ፡ ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ሁዲንገ ኣብያተ-ንባብ፥ ንሓደ ወይ ንብዙሓት መጻሕፍቲ ተመዝጊካ ኣብ መስርዕ ምጽናሕ ብነጻ እዩ።

ካብ ሁዲንገ ካብ ዘሎዋ ኣብያተ-ንባብ ወጻኢ፥ መጻሕፍቲ ክልቃሕዶ እኽእል’የ?

እወ፡ ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ካብ ሁዲንገ ኮሙን ወጻኢ ካብ ዝርከባ ኣብያተ-ንባብ መጻሕፍቲ
ክትእዝዝ፥ 10 ክሮኖር የኽፍል እዩ።

ካልእ ክትፈልጦም ዝግባእ ሕጊታት ልቓሕ፡-

  • ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ዚኸውን፥ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ መታን ክውሃበካ፥ ናይ ወላዲኻ (ናይቲ ዘዕብየካ ሰብ) ፊርማ የድሊ እዩ።
  • ነቲ ብስም እቲ ናትካ ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ዝተለቅሐ ንብረት፥ ናትካ ሓላፍነት እዩ።
  • ወለዲ (ኣዕበይቲ) ነቲ ናይ ደቆም ልቓሕ ሓላፍነት ኣሎዎም።
  • ዝተለቃሕካዮ ንብረት፥ ኣብ ዝዀነት ካብተን ኣብያተ-ንባብና ክትመልሶ ትኽእል ኢኻ።
  • እቲ ዝተለቃሕካዮ ንብረት ኣብ ጊዚኡ ንኽምለስ ሓላፍነት ኣሎካ።
  • ናይ ሓደ ዝተለቃሕካዮ መጽሓፍ ጊዜ እንተ ሓሊፉ፥ እትኸፍሎ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ኣሎ።
  • ቆልዑ ትሕቲ 18 ዓመት፥ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ኣይሕተቱን እዮም።
  • ሓደ ዝተለቃሕካዮ መጽሓፍ እንተ ዘይመሊስካዮ፥ ናይቲ መጽሓፍ ዕዳ ክትከፍል ካብ ቤተ-ንባብ መልእኽቲ ይስደደልካ።
  • ነቲ ዝደንጐየ መጽሓፍ እንተ መሊስካዮ፥ ነቲ ዕዳ ምኽፋል ኣየድልየካን’ዩ። ናይ ምድንጓይ ክፍሊት ክትከፍልን ግን ይግብኣካ እዩ።
  • ኣብቲ ናይ ልቓሕ ጊዜ፥ እቲ መጽሓፍ እንተ ተቐዲዱካ፡ ክትትክኦ ይግብኣካ እዩ።
  • ናይ ዝጠፍአ መጽሓፍ ዝኸፈልካዮ ገንዘብ፥ እቲ መጽሓፍ ውን እተረኸብካዮ፥ ገንዘብ ኣይምለሰካን’ዩ።
  • ልዕሊ 100 ክሮኖር ዝኸውን ዕዳ ምስ ዚህልወካ፥ ንኽትልቃሕ ወይ ኣብ ናይ መጽሓፍ መስርዕ ክትምዝገብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምስ ከፈልካ ግን፥ ከም ብሓድሽ ክትልቃሕን ኣብ መስርዕ መጽሓፍ ክትምዝገብን ትኽእል ኢኻ።